ኔትዎርክ Soli-Asyl Würzburg

🇩🇪 Deutsch                      🇬🇧 English

🇪🇸 Español                      🇦🇪 العربية

🇫🇷 Français                     🇮🇷 فارسی

🇮🇹 Italiano                       🇦🇫 دری

🇷🇺 Русский                     🇦🇫 پښتو

🇦🇱 Shqiptare                   🇸🇴 Soomaali

🇷🇸 Srpskohrvatski          🇹🇷 Türkçe


»ኔትዎርክ Soli-Asyl Würzburg« ነጻ ዝኾነ ማሕበር ማሕበራውያን ነጠፍቲ፡ ናይ ሓድነትተበግሶታትን ናይ ኣብ ከባቢ ዉርዝበርግን ክፋል ናይ ነትዎርክ »Aktion Bürger*innenasyl« ዝርከቡ ውልቀሰባትን ኢዩ።

ብሓባር ምስ ኩሎም ኣንጻር ናብ ዓዲ ምጥራዝ ዝቃለሱ፡ ሓድነት ክንገብርን፡ ምስ ዘካይዶዎ ቃልሲ ናይ ኣብ ጀርመን ምጽናሕ መሰሎም ናይ ምትሕብባር መዋቕር ክንፈጥርን ንደሊ። ዕላማ ናይ ተበግሶና ንናይ ምጥራዝ ውሳነ ዘንጸላለዎም ሰባት ግዝያዊ መዕቆቢ ምቕራብ፡ ናይ ጥዕና ኣገልግሎትን ናይ ሕጊ ምኽሪን ክረኽቡ ምግባር፡ ምስኡ ድማ ቀጻልነት ዘለዎ ናይ ሂወት ዕላማ ክረኽቡን ከማዕብሉን ይድግፍ። Soli-Asyl ተመሳሳሊ ምስ ናይ ቤተክርስትያን ዑቕባ፡ ኣብ ጀርመን ንምጽናሕ እቲ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ኩሎም ኣማራጽታት ምስ ተጸንቀቑ ጥራይ ኢዩ Soli-Asyl ምጥራዝ ንምክልኻል ከም ኣማራጺ ክውሰድ ዝኽእል።

ብውሁድ ስጉምቲ ናይ በርጌሳዊ ምልዕዓልን ህያው ሓድነትን፡ ነዚ ናይ ምጥራዝ መስርሕ ማሕለኻ ኴንና ከምዘይሰርሕ ክንገብሮ ንብህግ። ኣብ ንናይ ምጽናሕ መሰልን ናይምንቅስቓስ ናጽነትን፡ ከምኡውን ንክብረት ወዲሰብ ዘይጠሓሰሉ ውሁድ ዓለምን ደው ንብል። ህሉው ኣሰራርሓ ናይ ምጥራዝን ምግላልን ንነጽግን ሰባት ብናጽነት ዝነብሩሉ ቦታ ክመርጹ ንጠልብ።

መሰል ስደት፡ ምጥሓስ ዶባትን ቃልሲ ንናይ ምጽናሕ መሰልን፡ ሕመረት ናይቲ ዓለም ለኻዊ ብድሆ ኣንጻር ዕብለላን ምዝመዛን ምዃኑ ንኣምን። ይኹን እምበር እዚ ቃልሲ ካብ ህዝቢ ትኸዊሉ ኣብ ዝተነጸለ መዓስከራት ስደተኛታት ተሓጺሩ ይርከብ። ሕጂ ግን እቶም ኣብ ዝሓሸ ኩነታት እንርከብ፡ ነዚ ኣብነት ክንክተል፡ ደገፍና ክነርኢን ምጥራዝ ንዘንጸላለዎም ናይ ዑቕባ መጽለሊ ክንቅርብን ግዚኡ ኢዩ።

ተበግሶና ብፍላጥ ግሉጽን ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎን ኢዩ። ንሕና ኣብ ናይ ሓድነት ደምበ ክንዓስል፡ ን Soli-Asyl ድማ ክፋል ናይ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ምእንቲ ሰብኣዊ መሰል ንኹሎም ደቂሰብ ብዘይ ኣድልዎን ቅድመኩነትን ከም ዝሰርሕ ንቕበሎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ማሕበራዊ ወይ ሕጋዊ ኩነታቱ፡ መበቆሉ፡ ጾታኡ ወይ ካልእ ምኽንያት ብዘይገድስ ናይ መዕቆቢ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ምንቅስቓስን መሰል ኣለዎ።

ብሓባር ናብ ዓዲ ምጥራዝ ንከላኸል፡ ንናይ ጀርመንን ኤውርጳን ናይ ምግላልን ተነጽሎን ፖሊሲታት ድማ ብትሪ ንቃወም!

ዘይሕጋዊ ሰብ የለን!
ንዶብ ዘይብላ ዓለም!
ዘይቅድመኩነታዊ መሰል ናይ ምጽናሕ ንኹሉ!